Document Library Display Document Library Display
Minimize Maximize
Folder # of Folders # of Documents
2008 files 0 1
flash 0 2
Showing 2 results.

Document Library Display Document Library Display
Minimize Maximize
Folder # of Folders # of Documents
2008 files 0 1
flash 0 2
Showing 2 results.

Document Library Display Document Library Display
Minimize Maximize
Folder # of Folders # of Documents
2008 files 0 1
flash 0 2
Showing 2 results.

Document Library Display Document Library Display
Minimize Maximize
Folder # of Folders # of Documents
2008 files 0 1
flash 0 2
Showing 2 results.

Web Content Display Web Content Display
Minimize Maximize

 ብናይ ሃገርናን ክልልናን ሕጊታት ይኹን ብዓለማዊ ቅቡል ኣሰራርሓ ሓደ ሰፈር ከተማ ዝባሃል ክልተ ሽሕን ካብኡ ንላዕሊን ህዝቢ ዝነብረሉ እንትኮይኑ ወይ ብዝምልከቶ ኣካል ናይ ከተማነት ኣፍልጦ እንተተዋሂቡን እዩ። ደረጃ ከተማነት (Level of Urbanization) ናይ ሓደ ሃገር ወይ ክልል ዝዕቀን ኣብ’ቲ ሃገር ወይ ክልል ካብ ዝነበር ጠቕላላ ህዝቢ ኣብ’ዘን ዝተጠቐሳ ከተማታት ዝነብር ህዝቢ ሚኢታዊት ብምውሳድ እዩ። ፍጥነት ምኽታም (Rate of Urbanization) ዝዕቀን ድማ ናይ ከተማ ህዝቢ በቢዓመቱ ብዘርኢዩ መጠን ወስኽ እዩ።ደረጃ ከተማነትን ፍጥነት ምኽታምን ከይዲ ምኽታም ንምግምጋም ዝጠቕሙ ቁልፊ መመላኸቲ ተጌሮም እዮም ዝውሰዱ።

በዓል መዚ ስታትስቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ነሓሰ 2013 (ፈረንጂ) ብዘውፅኦ መረዳእታ መሰረት ኣብ 2009 (ኣቈፃፅራ ኢትዮጵያ) ደረጃ ከተማነት ኢትዮጵያ 20% ክበፅሕ እዩ። ናይ ኢትዮጵያ ደረጃ ከተማነት ካብ ዓለምን ካብ ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪካን እቲ ዝተሓተ እዩ። ፍጥነት ምኽታም ድማ ኣብ ዓለም ይኹን ኣብ ኣፍሪካ ካብ’ቶም ዝለዓሉ’ዩ። እዚ ሃገርና ንዚን ናይ ከተማነትን ምኽታምን ተርኢዩ ብዓቢዪ ቆላሕታ ክትርኢዬን ኣብ ካልኣይ ትልሚ ዕቤትን ስግግርን ሃገርና ዓቢዪ ትኹረት ክረክብን ምክንያት ኮይኑ እዩ።

ደረጃ ከተማነትን ቅልጣፈ ምኽታምን ሃገርና ካብ ክልል ናብ ክልል ካብ ከተማ ናብ ከተማ ትርጉም ብዘለዎ ደረጃ ይፈላለ’ዩ። ኣብ ትግራይ ዝለዓለ ደረጃ ከተማነትን ፍጥነት ምኽታምን ኣሎ። በዓል መዚ ስታትስቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ነሓሰ 2013 (ፈረንጂ) ብዘውፀኦ መረዳእታ መሰረት ኣብ 2009 (ኣቈፃፅራ ኢትዮጵያ) ደረጃ ከተማነት ትግራይ 27% ክበፅሕ እዩ። ፍጥነት ምኽታም ትግራይ ድማ 5.4% እዩ። ብመሰረት እዚ ከተማን ምኽታምን ትግራይ ካብ’ቲ ብሃገር ደረጃ ዝተዋሃቦ ትኹረት ዝበለፀ ፍሉይ ትኹረት ክንህቦ ከምዘለና ዘመላኽት’ዩ።

በዓል መዚ ማእከላይ ስታትስቲክስ ኢትዮጵያ ዘቐመጦ ትንቢያ ኣብ ቈፀራ ህዝቢ 1999 ዝነበራ 57 ከተማታት ትግራይ መሰረት ብምግባር እዩ። ኣብ’ዚ መረዳእታ’ዚ ዘይተኻተታ ካብ 2002 ዓ/ም ንዳሓር ዝተፈጠራ 224,981 ህዝቢ ዝነብረለን 44 ከተማታት ኣለዋ። ካብ’ዚ ብተወሳኺ ብምኽንያት ነባር ከተማ ምስፍሕፋሕ ልዕሊ 50,000 መራሕቲ ስድራ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት ናብ ከተማ ኣቲዩም’ዮም። እዚ ተደሚሩ ደረጃ ከተማነት ትግራይ ካብቲ ብበዓል መዚ ማእከላይ ስታትስቲክስ ሃገርና ዘውፀኦ መረዳእታ ንላዕሊ ከምዝኸውን ምግማት ይካኣል’ዩ። ብናይ ክልልና መረዳእታ ደረጃ ምኽታም ትግራይ ኣብ 2007 ዓ/ም ከባቢ 29.5% በፂሑ ኣሎ። ካብ’ዚ ሓሊፉ እዚ ተርኢዩ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ድሕሪ 25 ዓመት 51% ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከተማ ከምዝነብር (መፅናዕቲ ሚኒስቲር ልምዓት ከተማ፤ ኮንስትራክሽንን ኣባይቲን) ተገሚቱ’ሎ።

እዚ ዓቢዪ ተርኢዮ ምኽታም ኣብ ክልተ ኣንፈታት ዝመፅእ ዘሎ እዩ። እዚ ቀዳማይ ምንጪ ሓደሽቲ ከተማታት ብበዝሒ ምፍጣረን እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽተ ወይ ሸውዓት ዓመታት 224,981  ህዝቢ ዝነብረለን ከተማታት ተፈጢረን ኣለዋ። ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ኣፍልጦ ምኽታም ረኺበን ግን ድማ ናይ ከተማነት ኣፍልጦ ዘይረኸባ 200 ጣቢያማእኸላት ኣለዋ። እዘን ኣፍልጦ ምኽታም ዝረኸባ ጣቢያ ማእኸላት እቲ ዝተሓተ በዝሒ ህዝቢ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ኣማሊአን ኣብ ዝቕፅል ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ከተማ ኣፍልጦ ክረኽባ እየን ተባሂለን ዝግመታ እየን። ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ትልሚ ዕቤትን ስግግርን ናይ ትግራይ ከተማታት በዝሒ ብሰለስተ ዕፅፊ ዓቢዪ 300 ከተማታት ክህልዋና እየን። እዚ ዘማላኽተና ምፍጣር ሓደሽቲ ከተማታት ሓደ ዓቢዪ ምንጪ ምኽታም ትግራይ ምዃኑ እዩ።

ካልኣይ ናይ ትግራይ ምኽታም መበገሲ ናይ ነባር ከተማታት ዕቤት እዩ። ኣብ ነባር ከተማታት ዝነብር ህዝቢ ካብ ዘርኢዩ ተፈጥሮኣዊ ዕቤት ብዘይንኣኣስ ምስፍሕፋሕ እዘን ከተማታትን ካብ ገፀር ናብ ከተማ ዝግበር ፍልሰትን ኣብ ምኽታም ዓቢዪ ኣስተዋፅኦ ይገብሩ ኣለው። ኣብ ቀዳማይ ትልሚ ዕቤትን ስግግርን 37 ዕሸል ከተማታት ካብ ደረጃ ናብ ደረጃ ተሰጋጊረን እየን። ልዕሊ 20,000 ህዝቢ ዝነብረለን ከተማታት ክልልና ካብ 12 ናብ 16 ከተማታት ዓቤን ኣለዋ። ናብ’ዚአን ዝቀራረባን ኣብ ዝቕፅል ሓሙሽተ ዓመት ሕድሕደን 20,000 ህዝቢ ክነብረለን እዩ ተባሂለን ዝግመታ 22 ቀዳማይ ደረጃ ዕሸል ከተማታት ኣለዋና። ኣብ 2012 መወዳእታ ሕድሕደን ልዕሊ 20,000 ህዝቢ ዝነብረለን በዝሒ ከተማታት ትግራይ ናብ 36 ከተማታት ክዓቢ እዩ። ብላዕሊ ናይ’ቲ ምኽታም እንትርአ’ውን መቐለ ካልኣይ ዓባይ ከተማ ሃገርና ኮይና ኣላ። ኣብ መወዳእታ 2012 ዓዲግራት፣ ሽረን ኣክሱምን ሕድሕደን ልዕሊ 100,000 ህዝቢ ዝነብረለን ከተማታት ክኮና እየን። ብድምር ኩለን ዓበይቲ ከተማታት ዓበይቲ ለውጥታት ኣምፄአን’የን ከምፅኣ’ውን’የን። ስለ’ዚ ናይ ነባራት ከተማታት ምኽታም ኣብ ከይዲ ምኽታም ክልልና ቁልፊ ኣስተዋፅኦ ይገብር ከምዘሎ ምርኣይ ይካኣል።

ስለ’ዚ ብበዝሒ ሓደሽቲ ከተማ ብምውሳኸንን ኣብ ኩሉ ደረጃ ዘለዋ ነባር ከተማታት ብዘርኢኦ ዘለዋ ዕቤትን ምኽታም ትግራይ ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ። እዚ ዘርኤና እቲ ምክታም ሰፊሕ መሰረት ዝሓዘን ኣብ ናይ ውሱናት ከተማታት ዕቤት ጥራሕ ዘይተመሰረተን ምዃኑ’ዩ። እዚ መሰረተ ሰፊሕ ምኽታም ንዓና ዓቢዪ ዕድል’ዩ። ኣብ ካልኦት ኩነታት ፀቢብ መሰረት ዘለዎ ቅልጡፍ ምኽታም ተፈጢሩ ዓቢዪ ቅልውላው ይፈጥር እዩ። እዚ ናይ ፓሊሲና ውፅኢት ዝኾነ ሰፊሕ መሰረት ዘለዎ ኣዝዩ ቅልጡፍ ምኽታም ከም’ዚ ዝበለ ቀውሲ ኩነታት ከይገጥመና ኣኽኢሉ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ኣብ ሞንጎ ከተማን ገፀርን ጠንካራ ምትእስሳር ተፈጢሩ ዳይናሚካዊ ምዕባለ ንምምፃእ ዘኽእለና ዕድል ፈጢሩልና እዩ።

በቲ ካሊእ ገፅድማ ንዚ ቅልጡፍ ዕቤት ምኽታም ብትኽክለኛ ኣንፈት መሪሕካ ናብ ዘለቕን ዘተኣማምን ልምዓት ናይ ምውሳድን፤ ከተማታትና ናይ ዕቤትን ለውጥን ማእኸላት ንከባቢአን መንቀሳቐስትን መራሕተን ክኾና ሕቶ ምብቃዕን ምምራሕን ቁልፊ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። ንዚ ብብቕዓት ምውሳድ ናይ’ዚ ሓሙሽተ ዓመት ስትራተጅና ሓደ ቁልፊ ጉዳይ ክከውን ይግባእ።

ልዕሊ ኩሉ ቀዲሙ ክመፅእ ዘለዎ ንኩሉ ድሌታት ብብቕዓት ዘተኣናግድ ናይ ሓፂርን ነዊሕን እዋን ናይ ከተማታት ዕቤት ዝመርሕ፤ ኣብ ከተማታት ዝርኣዩ በዳህቲ ኩነታት ብብቕዓት ንምፍታሕ ዘኽእል ብቑዕ ናይ ከተማ ፕላን ንኩለን ከተማታት ክህልወን ኣለዎ። በዚ ሰዓት’ዚ ብመንግስቲ ይኹን ብኮንሳልታንትስ ከም’ዚ ዓይነት ፅሬትን ሽፋንን ዘለዎ ፕላን ከተማ ንኩለን ከተማታት ብእዋኑ ኣዳሊዩ ክቕርብ ዝኽእል ዓቕሚ ኣይተፈጠረን። ንዚ ተልእኾ’ዚ ክዋፅእ ዝኽእል ዓቕሚ ኣይተፈጠረን። ንዚ ተልእኾ’ዚ ክዋፃእ ዝኽእል ዓቕሚ ናይ መንግስቲ፣ ከተማታትን ኮንሳልታትን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብምፍጣር 300 ከተማታት ናይ ከም’ዚ ዓይነት ፕላን ወነንቲ ምግባር ፈታኒ ተልእኾ ጌርና ክንወስዶ ኣለና። ብዘይካ ከም’ዚ ዝበለ ዓቕሚ ከተማታት ምምራሕ ከምዘይካኣልን ከም ዘይግባእን ክስመረሉ ይግባእ። ሕዚ ዘለና ናይ ከተማ ፕላን ምድላው ዓቕሚ ብኣንፃር ዝፅበየና ዘሎ ሉኡኽን ኣቲናዩ ዘለና መድረኽን ኣብ’ዚ እቶ ዝባሃል ኣይኮነን።

እቲ ካሊእ ፈታኒ ጉዳይ ንዚ ዝዳሎ ፕላን ምስ እዋናዊ ኩነታት እንዳጠዓዓመ ብንጥፈትን ብብቅዓትን ዝትግበር ዓቕሚ ኣብ ኩለን ከተማታት ናይ ምፍጣር ሕቶ እዩ። እዚ ጉዳይ ደረጃ ከተማታት፣ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ከተማታት፤ ኣመራርሓን በዓል ሞያን ምፍራይን ምህናፅን ምውፋርን ብዝምልከት ዘለዉና ኣሰራርሓታት ምስ’ዚ ሓድሽ ኩነታት ብዝምጥን ናይ ምትዕርራይ ጉዳይ ጊዜ ዘይወሃቦ ጉዳይ ክኸውን ይግባእ።

ንከተማታት ዝመርሕን ዘተሓባብርን ቢሮ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እንዳለገብካ ክመዓራረ ዝተገበሩ ፈተነታት እኳ እንትነበሩ ንቲ ዝፅበዩ ዘሎ ልኡኽ ዝምጥን ስፍሓት ናይ ኣወዳድባን በዓል ሞያን የብሉን። ንፍጥነትን ሰፍሓትን ናይ’ቲ ምኽታም ብብቕዓት ምምራሕን ምትሕብባርን ብዘኽእሎ ደረጃ ምስትኽኻል የድሊ። ኣብ ወረዳታት ንከተማታት ዝመርሕን ዘተሓባብር ቤት ፅሕፈታት ዳርጋ ብክልተ ሰባት ዝስራሕ እዩ። ናይ በዓል ሞያ ደገፍ ዘይብሉ እዩ። ንኣብነት ወረዳ ቃፍታ ሑሞራ እንተወሲድና ልዕሊ 67% ደረጃ ምኽታም ዘለዎ ወረዳ ዘሎ ቤት ፅሕፈት ከተማ ልምዓት ቤት ፅሕፈት ሓላፍን ሓደ ክልተ ሞያተኛታትን ጥራሕ ዝሓዘ እዩ።

ብምጥቕላል ኣብ ክልልና ዝርአ ዘሎ ኣዝዩ ቅልጡፍ ምኽታምን ንሱ ዝወለዶ ደረጃ ከተማነትን ብብቕዓት ኣብ ምምራሕ ክርአዩ ዝግበኦም ብዛሓት ጉዳያት እኳ እንትሃለው ፕላን ከተማ፣ ፕላን ከተማ ዘተግብር ናይ ከተማ ዓቕሚ ምፍጣርን ንዚ ዝመርሕ ቢሮን ቤት ፅሕፈታትን ፈቲሽካ ንዚ ሓድሽ ልኡኽ ብዝምጥን ደረጃ ምትዕርራይ ከምኡ’ውን ምብቃዕን ምህናፅን ኣብ’ዚ ምድላው ካልኣይ ትልሚ ዕቤትን ስግግርን ቀንዲ ትኹረት ክወሃቦም ይግባእ።

ኣብ ከተማታት ዝፅበየና ልኡኽን ዕማምን ስፍሓትን ርዝነትን ዝዓበየሉ፤ ሓደሽቲ መደባትን ኣሰራርሓታትን ዝጠልብ ኩነታት ዝተፈጠረሉ’ዩ። እቶም ልሙዳት ናይ ከተማ ሕቶታት ኣዐርዮምን ፈጢጦምን መፂዩም ኣለው። ናይ መፅለሊ ሕቶ ኣብ ዓበይትን ኣናእሽተይን ከተማታት ተበራዓይ ሕቶ ኮይኑ’ዩ። ስራሕ ዕድል ፈጠራን እቶት ዜጋታት ምዕባይን ምስፍሕፋሕ ደኣንትምጥንኻር ኢንቨስትመንት ብፍላይ መፍረይ/ማኑፋክቸሪንግ/ ኢንቨስትመንት፤ ፅሬትን ተበፃሕነትን መሰረተ ልምዓትን ግልጋሎትን፣ ሓለዋ ከባቢን ድሕነትን፣ ምጭንናቕ ምውጋድ (ምምሕያሽ ሞበሊትን ምስፍሕፋሕ ፐብሊክ ቦታታትን)፣ ጉዳይ ካብ ገፀር ናብ ከተማ ዝኣትው ሓረስቶት ፣ ኣብ ዙርያ ከተማታት ዘለዋ ገፀር ወረዳታት ወይ ጣቢያታት ዝርአ ዘይትሉም ምፍጣር ሓደሽቲ ከተማታት፣ድማር ናይ ሰናይ ምምሕዳር ጉዳይዓበይቲ ጉዳያት እዚኣቶም ብብቕዓት ዘተኣናግድ ካብ ስትራተጂታትናን ፓሊሲታትናን ዝብገሰ ትልሚ ዕቤትን ስግግርን ሓሙሽተ ዓመት ክዳሎ ይግባእ።

Web Content Display Web Content Display
Minimize Maximize
Document Library Document Library
Minimize Maximize

Folder # of Folders # of Documents  
2008 files 0 11
2009 files
Subfolders: Tigray urban divelopment pr
1 0
dddddd 0 0
Report 0 9
Showing 4 results.